November 7, 2022

ናቕፋ
መሬት ጽንዓትን መኸተን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ናቕፋን ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራን መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ሓርነት ናቕፋ 23 መጋቢት ብድምቐት ኣኽቢረን። ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1977 ንመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ናቕፋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓግሒጉ ጸራሪጉዎ። ናቕፋ ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብዘለዋ ዕዙዝ መለለይታታት ኣብ ኣእምሮ ሕብረተሰብ ኤርትራ ፍሉይ ቦታያ ትሕዝ። ስለዚ ከኣ ንመገዲ መጻእቲ ወለዶታት ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ብርሃን እትልግስ ኮይና ንኽትቅጽል ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲን ፍሉይ ክብሪ ንናቕፋ ምሃቡ ዘገርም ኣይኮነን። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር፡ ከተማ ናቕፋ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዘለዋ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን እምነ ኩርናዕ ኣሕጺርና ነቅርብ።
ቀዳማይ፦ ናቕፋ ብ23 መጋቢት 1977 ካብ ጸላኢ ሓራ ምስ ወጸት፡ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዘይወደቐት እንኮ ኤርትራዊት ከተማ እያ።
ካልኣይ፦ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ተሓባበርቱ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ሓይልታትን ንከተማ ናቕፋ ዳግማይ ንምጉባጥ ዘካየድዎ ተኸታታ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ