December 25, 2021

ንወያነ ምድሓን፡ ዘይከኣል ዕማም!

ኣብ ሕብረተሰብና፡ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝብል፡ ረዚን ትርጉም ዘለዎ ምስላ’ሎ። ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ፣ በደል ኣብ ልዕሊ በደል፣ ሓጥያት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ንዝደራርብ – ወትሩ ዘይእረም ግናይ ባህሪያት ንምግላጽ ዝዝውተር ምስላ እዩ። እዚ ባህሪያት’ዚ፡ ኣብ ውልቀ-ሰብ ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ባህርያት ዘለዎ ጉጅለ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስቲ’ውን ይርከብ’ዩ።
ብስም “ብሄራዊ ወጽዓ ህዝቢ ትግራይ” ናብ በረኻ ካብ ዝወጸላ ዕለት ኣትሒዙ፡ ክሳብ’ዛ ትልኽ ዝብለላ ዘሎ ናይ ጻዕረ-ሞት ህሞት፡ ንዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ኣስታት 46 ዓመታት ዕድመኡ፡ ብዓንዳሪ ባህሪያቱን ስትራተጂካዊ ጌጋታቱን ዝልለን ዝልሎ ዘሎን ጃንዳ ወያነ፡ ናይ’ዚ ኣብነት’ዩ። እቲ ጠንቂ ድማ፡ ካብ ስነ-ሓሳቡ፡ ፍልስፍናኡን ሒዝዎ ዝነቐለ ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ዕላማታትን’ዩ ዝብገስ። “ንህዝቢ ትግራይ ካብ ብሄራዊ ወጽዓ ነጻ ምውጻእ” ዝብል ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ቅቡልን ምኽኑይን ዕላማ ሒዙ ናብ በረኻታት ደደቢት ዝኣተወ ወያነ፡ ኣብ’ቲ ቀዳማይ ዓመት ቃልሱ፡ ሃውቲቱ “ሪፓብሊክ ትግራይ ምምስራት” ብዝብል ዓንዲ-ማእከል ዝቘመ ብታሪኽን ክውንነትን ዘይተደገፈ ማኒፌስቶ ሓንጢጡ

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...