March 24, 2018

ኢትዮጵያ – ነትጒ ጸቢብ ፖለቲካ

ኢትዮጵያ ብኣዝዩ ተሃዋሲ ታሪኻዊ መድረኽ ትሓልፍ ኣላ። ወያነ ካባ ኢትዮጵያውነት ተኸናኒቡ፡ ጸቢብ ዕላማታቱ ከተግብር ከም መጋበርያ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ፡ ብውሽጡ ተዘሪጉ፡ ኣብ ሓድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ጥምረት ዘቘማ ውድባት ኣብ መንጎ ፍትሓዊ ምንብባር ዝጠልብ ህዝባዊ ሕቶን ምርጋእ ምልካውነት ሓደ ጸቢብ ጉጅለን ተዋጢረን ይርከባ። ብመሰናበዲ ኣዋጃትን ኣፈ-ሙዝን ከይተጻዕደ ብዘይምቁራጽ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢን ተቓውሞን ህዝቢ ኣንጻር’ቲ ስርዓት፣ ንሱ ዘስዓቦ ከቢድ ዕንወትን ምልማስ ቁጠባዊ ንጥፈትን፣ ብጸቕጢ ህዝቢ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምፍታሕ ዝተወስደ ርቡጽ ስጉምቲ፣ “ገምጋም ጌርና፡ ጉድለታትና ብዘይንሕስያ ተነቓቒፍና፣ ዝጸንሓና ግዕዘይ ኣካይዳ ክንእርም ኢና” ዝዓይነቱ ጠባሪ መግለጺታት፣ ምልውዋጥ መናብር ናይቶም ብብልሽውናን ዝተፈላለየ ገበናትን ዝተቘማጥዑ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ እቲ ብቐደሙ እውን ወሳኒ ቦታ ዘይነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስልጣን ክለቅቕ ዝተገደደሉ ኩነት፣ ዳግማይ ኣዋጅ ድንጋገ እዋን ሓደጋ፣ “ተካኢ ቀዳማይ ሚኒስተር መን ይኹን?” ኣብ ዝብል ሕቶ…

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ