August 26, 2017

ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ
ብሉጽ ታሪኻዊ ስነ-ጥበባዊ ተርእዮ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ብሃር ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ንፍርቂ ክፍለ ዘመንን ፍርቂ ዕቁድን ስነ-ጥበብ ዓጢቁ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ ተሰዊኡ። ምሃዚ ስነ-ጥበብ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ ንእስነቱ ብዝሓደሮ ልዑል ፍቕሪ ስነ-ጥበብ መጀመርታ ምስ ስድራ ቤቱ’ዩ ተባቲኹ። ካብቲ ዝጸንሐ ኣረጊት ያታዊ ባህሊ ስለዝወጸ ቀቢላኡ ነጺሎምዎ። ልዑል ትሕዝቶን ንዝተፈላለየ ትርጉማት ክፉት ዝነበረን ስነ-ጥበባዊ ፍርያቱ ኣብ ውሽጢ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፍርሒን ራዕዲን ፈጢሩ። ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ብሃር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ነቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣእምሮን መንፈስን ኤርትራውያን ዝዕንብብ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ሓይሊን ናህሪን ወሲኹሉ እዩ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...