February 24, 2023

ኣመል መዀምብያ ጢጡ

ኣብ 60ታት’ዩ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ጀብሃ ፊተ-ፊት ተጋጠሙ። ሓደ ፋልማዩ ኣብ ውግእ ዝኣተወ መንእሰይ ወተሃደር ጠበንጃኡ ኣቕኒዑ እናተኰሰ፡ ካብ ተጋደልቲ ዝተሓምበበ ጠያይት ብጉንዲ እዝኑ ጭው! ጭው! በለ’ሞ፡ ወዮ ሓድሽ ተዋጋኣይ ሸኲኹ፡ ‘ኣንታ እዚኦም ዓያሹ’ዮም! ዓይንና ከንቊሩና!” ኢሉ ብረቱ ደርብዩ ጢጥ በለ ይበሃል። ብተመሳሳሊ ስዕርቲ ጃንዳ፡ ባዕላ ውግእ ወሊዓ፡ ብዓጸፋ ውቅዒት ልባ ምስ ተመልሐ፡ ‘ኣንታ እዚኦም ኣራዊት እዮም! ንሕስያ ዘይብሎም!” ክትብል ተሰሚዓ። ያኢ ውግእ ሸርጢጣስ ንሕሰያ ተጸብያ። ‘ንትግራይ ዘይመውት ብጥይት በሉዎ’ እናበለት ክንደይ መንእሰይ ኣህሊቓ እውን፡ ‘ጂኖሳይድ’ ኢላ ክትቁዝም ኣይሓነኸትን። ‘ሰሪቓስ እንተትሓፍረለይ’ ይብላ ነበራ ለባማት መሰልቲ ኣደታት! ናትካ ኣቐሚጥካ ጸሎሎ ክትቀብእ ምውዓል፡ ጃንዳ ወያነ ፍጥር ክትብል ከም ጥበብ ፖለቲካ ዝረዓመቶ፡ ምስኣ ዓዂኹ ዝኣረገ ውስልትና’ዩ። ክሳብ ምግናዛ ድማ ምስኣ ቀጺሉ። ኣመል

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን