June 21, 2023

ኣመሪካ፡ ፖሊሲ ዘየቋርጽ ተጻብኦታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ መንግስቲ ኣመሪካ “ውሁድ ስትራተጂ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” (Integrated country strategy on Eritrea) ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ናይ ኢንተርነት ገጻቱ፡ ንርቅዕቃዕ ፖሊሲታቱ ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ጽሑፍ ብሓላፊ ተልእኮ (chief of mission) ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ንሓደገኛን ሓንካርን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝድግፍ ሓሳባት ዝሓዘ’ዩ። እዚ ብሓደ ዲፕሎማት ዝተጻሕፈን ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (state departmment) ብ5 ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ክልቀቕ ዝተፈቕደን ጽሑፍ ዕላማኡ ብዘይተነጸረ ምኽንያታት ክሳብ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ከይተዘርግሐ ዝጸንሐን እዩ። ሕጂ ክዝርጋሕ ዝተደልየሉ ድማ፡ መስደመምን ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕልን’ዩ።

download

Latest Articles

Eritrea’s Agricultural Development Over the Past 35...

Eritrea: The Long Road to Independence

خطاب الرئيس اسياس أفورقي بمناسبة العيد الخامس والثلاثين...