May 6, 2023

ኣመሪካ፡ ፖሊሲ ዘየቋርጽ ተጻብኦታት
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ መንግስቲ ኣመሪካ “ውሁድ ስትራተጂ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” (Integrated country strategy on Eritrea) ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ናይ ኢንተርነት ገጻቱ፡ ንርቅዕቃዕ ፖሊሲታቱ ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ብሓላፊ ተልእኮ (chief of mission) ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ንሓደገኛን ሓንካርን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝድግፍ ሓሳባት ዝሓዘ’ዩ። እዚ ብሓደ ዲፕሎማት ዝተጻሕፈን ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (state departmment) ብ5 ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ክልቀቕ ዝተፈቕደን ጽሑፍ ዕላማኡ ብዘይተነጸረ ምኽንያታት ክሳብ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ከይተዘርግሐ ዝጸንሐን እዩ። ሕጂ ክዝርጋሕ ዝተደልየሉ ድማ፡ መስደመምን ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕልን’ዩ።እዚ መሰረት ኣልቦን ኣሰይጣንን ዝኾነ ክስታት፡ መቐጸልታ ናይቲ ንክልተ ዕቑዳትን ልዕሊኡን ዘየቋረጸ ተጻባኢ ፖሊሲታት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ’ዩ። ብዋጋ ልኡላዊት ሃገር፡ ዓለማዊ ጥሙሕካ ንምስሳይ ዝግበር ቀጻሊ ፈተነ!

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን