July 14, 2017

ኣስመራ፡ ሉል ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘውዲ ኣፍሪቃን ብምርጫ ዮኔስኮ

መሐመድኑር የሕያ
ዝሓለፈ ቀዳም 8 ሓምለ፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ኣደናቒ ጥንታውን ታሪኻውን ስነ ህንጻ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብ ወነንቲ ፍሉይ ቅዲ-ህንጻ (ኣርት ዴኮ) ብምዃና፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ስነ ፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኽትሰፍር ብምኽኣላ፡ ተሓቢንና ኣለና፣ ሓጐስናውን ኣብ ጥርዚ ደዪቡ።
ከተማ ኣስመራ፡ ብዅሉ መዳያት ዝተማለአት ከተማ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ብታሪኻዊ ሸነኽ’ውን ብመሰረት ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ ሓበሬታ ስነ ዅዕታ፡ ንከተማ ኣክሱም ብኣማኢት ዓመታት ትቕድማ እያ፣ ምቘታ ድማ ካብ 24 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዘይሓልፍ ስለዝዀነ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ማእከላይ ኵነታት ኣየር እትውንን ከተማ እያ። ብምስክርነት ኵሎም በጻሕታ፡ ሓንቲ ካብ ዝጸረያ ኸተማታት ኣፍሪቃ ኮይና፡ ርግኣት ዘለዋ፡ ንዝበጽሓ’ውን ሰላምን እፎይታን እትህብ እያ። ብዙሓት ሃገራትን ከተማታትን ዓለምና

Latest Articles

Independent Development Policy, Human Capital, and the...

إقليم شمال البحر الأحمر متحف طبيعي يضم العديد من الآثار التاريخية

Mischaracterizations Surrounding Prospects for...