August 29, 2020

ኣበርክቶ ኤርትራውያን ኣብ ምምካት ቫይረስ ኮሮና
ካብ 3 ሚያዝያ ክሳብ 23 ነሓሰ 2020

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓደገኛ ነት ቫይረስ ኮሮና ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብኣተን ኤርትራ ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ቀታሊ ሕማም’ዚ ናብ ኤርትራ ንኸይዝርጋሕ ዘካይዶ ዝነበረ ዓቢ ጻዕሪ ንምሕጋዝ ፋይናንሳውን ዓይነታውን ሓገዛት ኣብ ምብርካት ተጓዪዮም። ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ብዝተፈላለየ ዓይነት ባጤራታት ዓለም ሓደ ካብኡ ናቕፋ ኣዝዩ ገዚፍ ሓገዝ ኣኪቦም። እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ዝኣከብዎ ገንዘብ ንላዕሊ፡ ኣብ ጐኒ መንግስቶምን ህዝቦምን ሚኒስትሪ ጥዕናን ብምዃን ብኩሉ ዓቕሞምን ፍልጠቶምን ነቲ ሕማም ንምምካት ዘካየድዎ ሓያልን ዝተወደበን ጓስጓሳት እዩ። እዚ ናይ ኤርትራውያን ናይ ምድግጋፍ መርገጺ’ዚ ግን ንኤርትራውያን ሓድሽ ተርእዮ እይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ ቀረባ ንሰውራኦም ንሰለስተ ዕቁዳት ምሉእ 1961-1991 ብምሕቋፍ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያን

download

Latest Articles

من معالم مصوع الاثرية ضريح الشيخ دربوش

ተዛራቢ ጽሉል እንተኾነ፡ ሰማዒ ክልብም ኣለዎ!

Statement by Foreign Minister Osman Saleh on UN Day