April 1, 2017

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ

ኣብ ዜግነት ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ኣገዳሲ ረቛሒታት ብልጹግ ሕብረተሰብ ምዃኑገሊጹ

ኣብ ዜግነት ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስርዓትን ንክውንነት ሃገርካን ህዝብኻን ዘንጸባርቕ ምምሕዳራዊ ኣካይዳን፡ ካብ ወሰንቲ ረቛሒታት ንምህናጽ ብልጹግን ርጉእን ሕብረተሰብ ምዃኖም፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ፡ “ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ኣፍሪቃ፡ መሰረት ምዕባለ” ብዝብል ኣርእስቲ ንተሳተፍቲ 7ይ ጉባኤ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ብሄር፡ ሃይማኖትን ባህላዊ ሕብረተሰብን ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስርዓት ክሃንጻ፡ ወይ ድማ መብዛሕትኦም ምምሕዳራዊ ስርዓታት ኣብ ብሄር፡ ሃይማኖትን ቀቢላን ተመርኲሶም ስልጣን ከምዝጭብጡ፡ እዚ ድማ ጠንቂ ግርጭታትን ዘይርጉእነትን ክኸውን ምጽንሑ ብምብራህ፡ ኣብ ዜግነትን ሃገራውነትን መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ብዘይምህላው ዝሰዓበ ምዃኑ ኣገንዚቡ። 

ኣብ ዜግነት ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ኣገዳሲ ረቛሒታት ብልጹግ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገሊጹ ዘላቕን ውዱብን ተሳታፍነት መላእ ሕብረተሰብ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ እቲ ካልእ ረቛሒ ንህላወ ብልጹግን ርጉእን ሕብረተሰብ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ የማነ፡ መሰልን ምዕባለን ንምርግጋጽ ዝካየዱ ቃልስታት፡ ብቐንዱ ንሰራሕተኛታት፡ መንእሰያት፡ ደቂኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን ዘሳትፉ ክኾኑ፡ ብዘይተሳታፍነት እዚኦም መሰረታውያን ኣካላት ድማ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

“ሕብረተሰባትን ሃገራትን ኣፍሪቃ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻ ፍኖት ምሕደራን ማሕበረ- ቊጠባዊ ምዕባለን ክስእሉ ኣለዎም” ዝበለ ኣቶ የማነ፡ ንሓደገኛነት ምቕዳሕ ወይ ምርዓም ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኲሮታትን ብግዳም ዝስግደድ ዘይትኣምነሉ ፖሊሲታትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ዝበዝሑ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ግጭታት፡ ጠንቆም ምብሓት ስልጣንን ጸጋታትን ብውሑዳን ጉጅለታትን ምጉናይ ዝበዝሐ ህዝብን ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ንዝሰፍሐ፡ ዘላቒን ዝተወደበን ሱታፌ ምስራሕ መሰረት ርግኣት ሕብረተሰብ ከምዝኾነ፡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ መወዳእታ፡ ንኣገዳስነት ምህናጽ ዓቕሚ-ሰብ፡ ንጸጋታትካ ክብሪ ምሃብን ንረብሓ ኩሉ ዘውሕስ ፖሊሲ ምሕንጻጽን፡ ምሕያል ትሕተ- ቅርጺ፡ ከምኡ’ውን ምዂስኳስ ሽርክነታዊ ምሕዝነት ብዝርዝር ብምቕራብ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ሕብረተንን ውህደተንን ከረጋግጻ፡ ምንቅስቓሳት ሰራሕተኛታት ድማ ንብልጽግናን ምዕባለን ሃገራቶምን ኣህጉሮምን ማእከል ገይሩ ዝንቀሳቐስ ማሕበራዊ ሓይሊ ክፈጥሩ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ብወገኑ፡ “ቊጠባዊ ኣንፈታትን መጻኢ ዕድላት ዕዮን ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ28 መጋቢት ንተሳተፍቲ ናይ’ቲ ጉባኤ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኤርትራ እትኽተሎ ቊጠባዊ ስርዓት፡ ብቐንዱ ኣህላኽነት ዘወግድን ኣፍራይነት ዘኻዕብትን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሓጎስ፡ ሕርሻዊ ንጥፈት ኣብ ሃገርና ንልዕሊ 65 ሚእታዊት ካብ ሕብረተሰብ ስለዝውክል፡ ነዚ ጽላት’ዚ ዘደንፍዕ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ካብ’ቶም ቀንዲ ኣተኲሮ ዝወሃቦም ምዃኑ ብምብራህ፡ ኣብ ጽላት ዕደና ጥራይ ካብ ዝምርኰስ ቊጠባ ተገላጊልና፡ ኣገልግሎታት ዘስፍሕ ንጥፈት ንምትእትታው ዝዓለመ ሜላ ምኽታል እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ጸጋታት ዓቕሚ-ሰብካ ብዝግባእ ኣሰልጢንካን ወዲብካን ኣብ ምዕባለ ሃገር ድርኺት ምፍጣር፡ ብዓቢ ኣድህቦ ዝስራሓሉ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ሃገራውያን ትካላትናን ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብናን ንምምዕባል፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ብወጻእተኛታት ኩባንያታትን ውልቀ-ሰባትን ዝዕመም ንጥፈታት፡ ተመኲሮን ክእለትን ዝቐስሙሉ ሜላታት ንምፍጣር ከምዝስራሓሉ፡ እዚ ከኣ ውሽጣዊ ዓቕምና ንምምዕባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ረብሓን መሰልን ሰራሕተኛ ምስ ኣፍራይነት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ብምግላጽ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ረብሓኦምን ምዕባለ ሃገሮምን ንምርግጋጽ፡ ኣፍራይነት ኣብ ምድንፋዕ ከተኲሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ሓጎስ ኣብ መወዳእታ፡ ንኣፍራይነት ብቐጥታ ንዝጸልው – ቀረብ ጥረ-ነገራት፡ ስሉጥን ጽፉፍን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎታት፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣወዳድባኡን፡ ምምዝማዝ ቱሪዝማዊ ጸጋታት፡ ተጠቃምነትን ምሕደራን ዝዋደዱ ዘለው ትሕተ-ቅርጺታትን ካልኦትን ብዝምልከት፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ሰፊሕ መብርሂታት ሂቡ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን