April 9, 2023

ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ዕንደራ
ካብ ጣሊባን ናብ ጣሊባን

ን20 ዓመታት – ልክዕ ንምዃን ን7,267 መዓልታት ዝቐጸለ ወራር ኣፍጋኒስታን፡ 4 መራሕቲ ኣመሪካ’ዮም ተበራርዮምሉ። ጆርጅ ቡሽ፡ ባራክ ኦባማ፡ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን። ኣብ’ዚ ኣመሪካ ከም ርእሰ-ኲናት ዝመርሓቶ “ስርሒት ነባሪ ሓርነት” (Operation Enduring Freedom) ዝተሰምየ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ካብ 51 ኣባላትን መሻርኽትን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ – ኔቶ ዝዀና ሃገራት ዝተዋጽአ ልዕሊ 130,000 ልፍንታዊ ሰራዊት ተሳቲፉ። ካብ’ዚ እቲ 90,000 – ማለት ልዕሊ 69% ናይ ኣመሪካ’ዩ። ቊጽሪ ናይ’ቶም በብእዋኑ ዝተተኻኽኡ ወተሃደራት ኣመሪካ ከኣ ኣስታት 800,000 ይበጽሕ። ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብልዩ ቡሽ ብ7 ጥቅምቲ 2001 ነቲ ወራር (invasion) ክእውጅ ከሎ፡ ቀንዲ ሃንደስቲ ናይ’ቲ ብ“መጥቃዕቲ 9/11” ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ማናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝተኻየደን

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን