August 28, 2021

ኤርትራ፡ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመሪካ ትዂንን

ቕድሚ ትማሊ 23 ነሓሰ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ “ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመሪካ ትዂንን” ዘርእስቱ መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ። ምስኡ ዝተኣሳሰር፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብመገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዝተመሓላለፈ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከምኡ’ውን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዝተለኣኣኽዎ ደብዳበታትን ካብዚ ቀጺልና ነቕርበልኩም።
ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ቁጽሪ 215/21
ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ግጭት ተኣሳሲሩ፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዝግሃሰ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወግዓዊ መራሒ ብምዃኑን ኣባላቱ ብዝፈጸምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሎሚ ብኣቈጻጸራ ምብራቕ 10፡30 ቅድሚ ቐትሪ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ “ግሎባል ማግኒትስኪ” ብተሓታትነት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝረቑሓቶ፡ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብኣኽብሮት

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን