June 9, 2018

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ
ቀዳማይ ክፋል
ህርፋን
1

ብኣልኣሚን መሓመድ ሰዒድ

መቅድም
ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽና ዕሙቕ ዝበለ መረዳእታ ምስ ዝህልወና፣ ህሉው ኩነታትና ንምርዳእን ምግንዛብን ኣይክጽግመናን’ዩ። መንፈስና’ውን ብእኡ መንጽር ይሕደስን ይበራበርን’ዩ። ምኽንያቱ፣ ብጽሑፍ ዝተሰነየ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ፣ ምሉእነትን ንሕናነትን ኣብ ውሽጡ፣ ማዕርነትን መን ካብ መን ዝብል ቅዱስ ውድድርን ድማ፣ ምስ ካልኦት ስለዘሕድረሉ፣ እዛ “ህርፋን” ብዝብል ስም ዝተደርሰት መጽሓፍ ሰሪታትሉ ዘላ ባይታ ድማ እዚ ዝተጠቕሰ’ዩ።ሓደ ጽሑፍ፣ ታሪኽን ልቢ ወለድን ዘወሃሃደ ምስ ዝኸውን፣ ንሂወት እናስተማቐርና ብዘይሰልኪ መገዲ ንኸነንብባ ይሕግዘና’ዩ። ኣብቲ ቀዳሞት ዝሓለፍዎ ታሪኻዊ ህይወት እናሓንበስና ድማ፣ ኣብ ስግኣቶምን ተስፍኦምን፣ ጭንቀታቶምን ራህወኦምን ኣቲና ምስኣቶም ንጎዓዝ። ካብ ዝሓለፍዎ ተመኩሮ፣ ነቲ ኣወንታ ክንዕቅቦን ከነወቕቦን ሓላፍነት የሰክመና። እቲ ጌጋታት ድማ፣ ንኽንመሃረሉን ንኸይድገም ንኽንቃለሰሉን መወከሲ ይኾነና። እዛ ብኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ሰዒድ ዝተደርሰት መጽሓፍ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብዝልካዕን ዝምዘንን ኣገባብ ዝሓቆፈት…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን