June 16, 2018

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ
2
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ጥልያን ቤት ዓሊ(1)

ብኣልኣሚን መሓመድ ሰዒድ

1- መንነትን ኣገዳስነትን ምድረ-ባሕሪ
ኣብ መፈለምታ ናይ 19 ክፍለ ዘመን፣ እተን ሓንሳብ ብሽም ምድረ-ባሕሪ፣ ሓንሳብ ድማ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጣ ዝነበራ ከባቢታት (ኤርትራ)፣ ኣብ ትሕቲ መግዛ- እቲ ጥልያን ብምእታወን፣ ኣብ ሓደ ውሁድ ፖለቲካውን ጂኦግራፍያውን መንነት (Identity) ብምትእስሳረንን ምጽንባረንን፣ ሓንቲ ፖለቲካዊ ተፈላጥነት ዝረኸበት፣ ብሽም ኤርትራ እትፍለጥ ሃገር ቆመት፣፣ ህላወ መግዛእቲ ኢጣልያ ብወገኑ ኣብ ምዕባ- ሌን ድልዳሌን’ዛ ውልዶ ሃገር ዓብን ኣገዳስን ተራ ተጻወተ፣፣ ካብ ጥንቲ፣ እዛ ብምኽንያት ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ ስሕበት ዝረኸበት ውልዶ ኤርትራ፣ ናይ ብዙሓት ኣህዛብ መሰጋገሪ ብምንባራ’ውን፣ ኣብ ከርሳ፣ ኣብ ገማግም ሩባታት ጋሸን ሰቲትን ዝሰፈሩ ኒላውያን፣ ካብ ሰሜን ሱዳን ዝመጽኡን ኣብ ሩባ

Latest Articles

Statement by Foreign Minister Osman Saleh

ምሕያል ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ

Exploring the Marine Wonders of Eritrea