June 22, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሓምሻይ ምዕራፍ
ሓንካስ ተበግሶ
(2)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ህዝባዊ ኣብያ ንመግዛእትን ምድንግጋጽ ምስ ሰውራን እናዓበየ ምስ መጸ፣ ረጽምን ጎነጽን ኣብ መንጎ ሰውራን ሓይልታት መግዛእቲ ካብ 1963 ኣትሕዙ ተጓሃሃረ። ሽግራትን ዘይምርድዳእን ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን እናዓበየን እናሰፍሐን ክመጽእ ምስ ጀመረ፣ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ነቲ ኣሉታዊ ጎድታት፣ ብሃናጺ መገዲ ርእያ፣ ብግቡእ ክንዲ ትፈትሖ፣ ንዝኾነ ንዓቕምታት ሰውራ ኤርትራ ዘማዕብልን ንፖለቲካዊ ረብሓታታ ዘጭብጥን ስራሕ እናዓንቀፈት፣ ንሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ ዝዕቅብን ዘማዕብልን፣ ንጥፈታት ጻዕርን ከተካይድ ኣይተራኣየትን። ከም ሳዕበን ሸለልትነት፣ ዘይምትሕትታትን ዘይግሉጽነት ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ኣብ ውሽጢ መዓስከራት ሰውራ ኤርትራ ክነግሱን ክዕንብቡን ተራእዩ። ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ኤርትራን ህዝባን ይፈልጥን ይከታተልን ብምንባሩ፣ ካብ ፈለማ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥ ካብ ዝጅመር፣ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ቄናን መስመራን ክእርም እናጸዓረ፣ ብሰንኪ ማሕበራዊ ድሕረት ዝፍልፍሉ ዝነበሩ ግዕዙይን…

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ