June 29, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሓምሻይ ምዕራፍ
ሓንካስ ተበግሶ
(3)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ብ21 ጥቅምቲ 1964፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን፣ ኣንጻር’ቲ ብ1958 ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ስርዓት ጀነራል እብራሂም ዓቡድ፣ ብተበግሶ ማሕበራት ተመሃሮ፣ ሰራሕተኛታት፣ ማእከሎትን ንኣሽቱ ነጋዶን፣ ዓበይትን ኣድማዕትን ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ከም ዝተኻየዳ ዘይርሳዕ ፍጻሜ እዩ።
ኣብ’ቲ እዋን፣ ሓደ ብሽም “ሓይልታት ምቕያር” ወይ ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኻርቱም ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ዕዉት ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኣድማን ኣብያን ኣብ ዘካየደሉ፣ ዝተፈለለዩ ቤላ-ቤለው ዝመሰረቶም ወረታትን ሓበሬታትን ተነዝሐን ተዘርግሐን፣ ብዙሓት ኣብ ግዜ ስርዓት ጀነራል ዓቡድ ብኣስገዳድ ዝደስከላ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን፣ ዝተፈላለያ ክፋላት ዩኒቨርስቲ ኻርቱምን ላዕለዎት ኣብያተ-ትምህትን፣ ነቲ ዝተኣወጀ ወይ ዝተጀመረ ኣድማን ኣብያን፣ ብወግዒ ክባርኻን ክድግፋን ተራእየን። እዚ ምስ ኮነ፣ እቲ ኣብ ኣእምሮ ሓፋሽ ህዝቢ ሰሪጹ ዝነበረ ፍርሕን ራዕድን ተቐንጠጠ። ሕርቓን ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ክበጽሕ ናይ ግድን እናኾነ ምስ መጸ፣ ሰራዊት ሱዳን ዝተፈጥረ ህውከትን ምልዕዓላትን ከሰክፎ ምስ ጀመረ፣ ኣብ ኣገደስቲ ጽርግያታት እናተዘርገሐ፣ ዝተፈላለያ ኣገልግሎት ዝህባ መንግስታውን ቁጠባውን ትካላትን ኣብያተ-ጽሕፈታትን እናዓጸወ፣

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ