July 6, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሓምሻይ ምዕራፍ
ሓንካስ ተበግሶ
4

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ሰልፍታትን፣ ዝካየዱ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፣ ኣውራ ኣብ መንጎ’ቶም ደገፍቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክህሉ ዝኽእል ሓባራዊ ኣጠማምታን ኣረዳድኣን፣ ካብ ሃንደበትነትን ዘይምዱብ ስራሕን ክርሕቁን ክውጉዱን ናይ ግድን’ዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ኣብ ሓባራዊ ርክባት ክንጸር ኣገዳሲ’ዩ።ይኹን’ምበር፣ ዝምድናታት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ከም’ቲ ዝድለ ብዘይ ምንባሩ፣ ሃምን ቀልብን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምድኻምን ንምህሳያን ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ እንተ ዘይኮይኑ፣ ንረብሓ ህዝብን ሰውራን ክትጽዕርን ክትሰርሕን፣ ካብ መፈላምታኡ ኣይተራእየትን። ስለ ዝኾነ፣ ንምእራም ተባህሎም ብቑኑዓትን ንጹሃትን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተወስዱ ተበግሶታት፣ ኣብ ጭቡጥ ፍረ ክበጽሑ ኣይከኣሉን።

download

Latest Articles

“Eritreans are not only patriotic, but they are also...

Hajayat Mendal: A Cultural Powerhouse and Inspiration...

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...