June 15, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሓምሻይ ምዕራፍ
ሓንካስ ተበግሶ
1

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

እድሪስ፣ ምስ ርህሩሃት ተቐማጦ ከተማ ከሰላ ንሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ምንባርን፣ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ፖለቲካውን ቁጠባውን ናብራ ምስታፍን፣ ብ1964 ናብ ዓደቦ ክሳግም ወሰነ። ኣብታ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን እትርከብ ዓዲ ሹክርያ (1) ኣብ ዝኣተወሉ፣ ብኣጋጣሚ ምስ ሓደ ኣግማል ዝጓሲ ጎበዝ ተራኽቡ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ተበግሶ ብምውሳድ፣-“ኩነታት ከባቢኹም ከመይ ኣሎ?” ዝብል ቀጥታዊ ሕቶ ኣቕረበሉ። ጓሳ፣ ምስ እድሪስ እናኣዕለለ፣ ናብቶም ነቲ ከባቢ ዝከታተላ ነቑጣታት ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዝኾነ ዝጠርጠርዎ ጠያይቲ ከም ማይ ዘዝንቡ ወተሃደራት እናተኸታተለ፣ ነቶም ብማዕዶ ዝርእዮም ዝነበረ ብጾቱ ንኽጽበዩዎ ክጽውዕ፣ ኣብ ኣእምሮኡ እናኣሰላሰለ፣-“ኣብ’ዚ ከባቢ እንታይ ከምዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ዲኻ?” ንእድሪስ እናጠመተ ሓተቶ። ጓሳ፣ ምስ እድሪስ እናኣዕለለ፣ ናብቶም ነቲ ከባቢ ዝከታተላ ነቑጣታት ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዝኾነ ዝጠርጠርዎ ጠያይቲ ከም ማይ ዘዝንቡ ወተሃደራት…

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ