May 18, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ
3

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ሓጎስ ኣርዓዶም፣ ካብ ሓምሳታት ምስታ ንእሽቶይ ስድራ-ቤቱ ኾይኑ፣ ኣብ’ታ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ካብ ከተማ ከሰላ እትርሕቅ፣ ከተማ ኸሽም ኣልግርባ ሰፈረ። እዛ ፈለግ ዓጥበራ (1) ዝጉዝጎዛ ምጥንቲ ከተማ፣ ብዙሓት ከም በዓል ሓጎስ ኣርዓዶም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን፣ ካብ ግዜ ፈደረሽንን ድሕሪኡን ኣትሕዞም፣ ብግፍዕታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተበሳጭዮም ምስ ሃደሙ፣ ኣብ’ዛ ከተማ ተዓቐቡ። ኩሎም ኣብ’ዛ ከተማ ድሕሪ ምስፋሮም፣ ከምቶም ካልኦት ናይ ሱዳን ዜጋታት ኾይኖም፣ ብማሕበራውን ስምዒታውን መንገዲ፣ ኣካል ናይ’ዛ ከተማ ክኾኑ በቕዑ። እዛ ከተማ ሓንቲ ካብተን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘለዋ ንኤርትራውያን እተሓቑፍ ከተማ ኮነት።
ሓጎስ ኣርዓዶም፣ ንኸተማ ኸሽም ኣልግርባ ፈተዋን ኣካል ማሕበራዊ ሂወታን ኮነ። ምስ ብዙሓት ተቐማጦ ኸሽም ኣልግርባ ጽቡቕ ዝምድናታት ብምፍጣር፣ ነቶም ኩሎም ዝተዓራረኹዎ፣ ከም ምስኦም ዝተወልደ ኣሕዋት ይቖጽሮም ብምንባሩን ኣካል ናይ’ዛ ከተማ ከም ዝኾነን፣ ወግሐ-ጸብሐ እናተሰወጦ መጸ።
ከተማ ኸሽም ኣልግርባ፣ ኣብ ማእከል ሃብታም ቡጣና ዝበሃል ሰፊሕ ጎልጎል ብምዱኳና፣ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘለዋ ከተማ ክትኸውን በቕዐት። እዛ ከተማ፣ ኣብ’ቲ ካብ ኤርትራ ዝብገስ፣ ናብ ጸሊም…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን