May 4, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ
(1)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኤርትራውያን፣ ምስ መነባብሮን ስነ-ኣእምራዊ ኩነታትን ሱዳን ክሳነዩ ብምኽኣሎም፣ ምስ ብዙሓት ዜጋታት ሰፋሕቲ ርክባትን ዝምድናታትን ክፈጥሩ ብምኽኣሎም፣ ኣብ ሱዳን ጓኖት ከም ዘይኮኑ ንነብሶም ክቖጽሩ ኣይተሸገሩን። ብዙሓት ካብኦም ኤርትራዊ መቦቖል ዝነበሮም፣ ዜጋታት ሱዳን ስለ ዝነበሩ፣ ኣካል ማሕበረ-ሰብ ሱዳን ስለ ዝኾኑ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሱዳን ብወለንታ ብዘይ ገለ ዘርኣዊ፣ ቀቢላውን ሃይማኖታውን ረቛሕታት ወይ ግምታት እናተሳተፉ፣ ከምቶም ካልኦት ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ዋላ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሱዳን ዝተዘርገሐን ዝዓረደን ኣሃዱታት ሰራዊት ሱዳን ኣገልግሎቶምን ደገፋቶምን የበርክቱ ነበሩ። ብተወሳኺ’ውን፣ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ከይተፈልዩ፣ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ እናተዋስኡ ምስ ባህልን ቋንቛን ኣኣንገድቶም ክላለዩን ክጥቀሙን ግዜ ኣይወሰደሎምን። በቲ ኻልእ’ውን፣ ምስ’ቲ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ ዝነበረ ኩነታት ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ እናተጸልዉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሱዳን….

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን