April 6, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ከም ኩሎም ዜጋታት ሱዳን፣ ፈታዊ ስድራ-ቤቱን ሰቡን ብምንባሩ፣ መንእሰይ በዓል-ቤቱ ብሞት ካብ ትፍለዩ ኣትሕዙ፣ ብዛዕባ መጻኢኡን ዕድል ወዱ ክሓስብ ናይ ግድን ኮኖ። ቓስም ወዱ ዕስራ ዓመት ከም ዝበጽሐ ብምርድኡ፣ ዝተፈላለዩ ጾርን ጸገማትን ናይ ዘለዎ ናብራ ክትጻወር እትኽእል፣ ንዕኡ እትኸውን ጥዕይቲ መርዓት ኸናድየሉ፣ ሓሳብ ለይቱን መዓልቱን ኮነ።
እድሪስ መሓመድ ሳልሕ ምስ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ዓርኩ ይደናገጽ ብምንባሩ፣ ጕርዞ ንመርዓ ዝበጽሐት ጓል እንተ ትህልዎ፣ ንወዲ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ “መመርዓኹዋ” ይብል ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ፣ ማሕጁብ ዝን ኢሉ እድሪስ ምስ ኣስተብሃለሉ፣-“እንታይ ረኸበካ፣ ትማሊ ጽቡቕ እንድየ ገድፈካ፣ እንታይ ኣምጸኦ ሓዘን?” ክብል ብድንጋጸ ሓተተ።ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ፍሽኽ እናበለ፣-“ምንም ኣይኮንኩን እድሪስ ሓወይ።”
ብገለ ከም ዘይተጸልወ ክመስል ብህድኣት መለሰ።እድሪስ ብመልሲ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ እኳ እንተ ዘይተበርሆ፣-“ከመይ ድዩ፣ ነገሩ? ክሳብ ፈጣሪ ምሕረቱ ዘውርደልካ .

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ