April 13, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ
ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ
(5)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ኢትዮጵያ፣ ካብ ግዜ ዘመነ መሳፍንቲ ኣትሒዛ፣ ክሳዕ ዘለናዮ ዘመን ብዝተፈላለዩ ብድሆታት፣ ጸገማት ጥመየት፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ድሕረታት፣ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዘለዎም ሃይማናታዊ፣ ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ፍልልያትን ምንዋጽን እናተሳቐየት፣ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መርገማት ነጻ ክትኸውን ዘይከኣለት ሃገር እያ።ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ወጽዓን ግፍዕን፣ ገለ ተራ ወተሃደራትን ኣዘዝቶምን፣ ብፍላይ ኣብ ክቡር ዘበዐኛ ዝተቖጽሩ ወተሃደራት፣ ንመስፍናዊ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ንምግልባጥ፣ ዘይተዓወት ጀነራል መንግስቱ ንዋይ ዝመርሖ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብ 1960 ኣካይዶም። እንተኾነ፣ ንጉስ ሃይለስላሰ፣ ካብ ካልኦት ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ማእሰርቲ ጀነራል መንግስቱ ንዋይ ዘመለጡ ተረፍ-መረፍ ንጉሳዊ ስድራ-ቤት፣ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ፣ ገለ ጸለውቲ ኤርትራውያን ውልቀ-ሰባት ከም በዓል መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ጀነራል ተድላ ዑቕቢትን፣ ገለ ኤርትራውያን ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ነበር፣ ካልኦት ትምክሕታውያን ኣምሓሩ፣ ሓይልን ኣድማዕን ደገፍ ብምርካቡ፣ ነቲ ዝተላዕለ….

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን