January 26, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል

ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

(4)

እድሪስን ዑመር የመኒን ኣብ ቤት-ሻሂ ኣቶ ኣልጃዓሊ፣ ምስ ተራኽቡን ሰላምታ ተለዋወጡን፣ ነናቶም ጀበና (1) ብምእዛዝን ቡኖም እንዳሰተዩ፣ እድሪስ ተቐዳድሙ:-“ኩነታት ዓድና፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ፈተነታት ምፍራስን ምብርዓንን ፈደራላዊ ብይን፣ እናበኣሰ ይመጽእ ብምህላው፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ እናተሃድኑ ናብ ቤት-ማሕቡስ ይዳገኑ ኣለዉ። ዝተረፉ ኸኣ፣ ናብ ከተማ ከሰላ ክውሕዙ ጀሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ፣ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ ስለ ዘየጋጠመኒ፣ ብዛዕባ’ዚ እንታይ እትፈልጦ ኣሎካ?” ክብል ተዛረበን ሓተተን።
ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ናብኦም ይመጽእ ከም ዘሎ ተዓዘቡ። ብዙሕ ከይጸንሑ ሰላምታ እናተለዋወጡ፣-“ኣታ ሰብኣይ ኣበይ ድኻ ዘሎኻ፣ እዚ ኹሉ ምጥፋእ እንታይ ኣድለየ?” እድሪስ ሓተተ።
ዑመር የመኒ ብወገኑ:-“መርሓባ ዝፈትዎ ሓወይ ኣልጃዓሊ።” ኢሉ፣ ፍሽኽታ ብምቕዳም።
እድሪስ ተረብሹ ዘሎ ኾይኑ ስለ ዝመሰሎ፣ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ተቐዳዲሙ:-“ደሓን ድኻ እድሪስ ሓወይ።?”
“ዋላ ሓንቲ… ዝኾነ ዝሰማዕኩዎ ነገር የለን። ምናልባት ዑመር እንተሎዎ ክሕብረና ይኽእል’ዩ።” በለ እድሪስ።

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...