February 15, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

6

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ 1956-1958 ኣብ ግዜ ልፍንታዊ ቀዳማይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሱዳን (1)፣ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ፖለቲካዊ ደገፍ እኳ እንተ ረኸበ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባላት’ዚ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ክጥርነፉን ክውደቡን ከኣሉ። እቲ ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ሱዳን ዝቖመ መንግስቲ፣ ምስ ስርዓት ሃይለስላሰ ዝምድንኡ ብዋጋ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ብምብጋሱ፣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኤርትራውያን ኣብ ከተማታት ሱዳን፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምብራቕ ሱዳን ብኣሉታ ክጽለዉ ናይ ግድን ኮነ።
እድሪስ ከም ልማዱ፣ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ቡን እናሰተየ ከሎ፣ ብርሑቕ ሓደ ቀደም ዝፈልጦ ንጡፍ ሰዓቢ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ናብኡ ይመጽእ ከም ዘሎ ተዓዘበ። ድሕሪ ሓጺር ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ፣-“ንጡፍ ኣባል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾንካ፣ ብገለ ብጾት ስለ ዝተሓበርኩ ምሳኻ ምርኻበይ ዘሐጉስ’ዩ።” በለ’ቲ ሱዳናዊ። እድሪስ፣ በቲ ንጡፍ ሱዳናዊ ዝቐረበ ናእዳ እንዳ ተሰከፈ“ኣርሕብ ቀደም በል። ብሓቂ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓደይ ዝግደስ ውልቀ-ሰብ እኳ እንተ ኾንኩ፣ ንጡፍ ኣባል ምንቕስቃስ ሓርነት ኤርትራ ግን ኣይኮንኩን።”ከብርህ ፈተነ።“ንጡፍ ወይ ዘይንጡፍ ኣባል ኣይኮነን’ቲ ሕቶ፣ እቲ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝስመዓኒ፣ ሓደ ንፍትሓዊ ጉዳይ ዝቃለስ ሰብ’ኻ።” ሞጎስን

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን