February 23, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

(7)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኣብ ኤርትራ ብምርጫ ብረታዊ ቃልሲ ዝኣምን ውድብ ከምዝተመስረተ ምስ ተወርየ፣ ጽላለ ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጽሐ። ንሰዓብቱ ኸጋጥሞም ዝኽእል ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ኣለልዮም ብዝድለ ክገጥምዎ ጥብቂ መምረሒታትን ትእዛዛትን እናኣውጸአ፣ ንኣባላት’ቶም ተቓዋሚ ውድብ ንምጽላምን ንምክፋእን ድማ ከም ብደገ ዝተቖጽሩ ሸፋቱን ሰረቕትን ኣምሲሉ፣ ጸረ ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝኾኑ ክጥምቖምን ከደናግርን ጀመረ።ብሳላ ሓድነትን ጽንዓትን ኣባላት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ፣ እቲ ኹሉ ብዘይ ተኣደነ ዓቕምታት ክፍልታት ስለያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ፈተነታት ጸለመን ምድንጋራትን ፍረ ክርከቦ ኣይተኻእለን። ስለ ዝኾነ ስርሓት’ቶም ዝተመዘዙ ክፍልታት፣ ንኤርትራውያን ዜጋታት ንምርዓድ፣ ዝተፈላለየ ናይ ታህድድን ምፍርራሕን ኣዋጃት እናኣውጽኡ፣ “ክንኣስር ጥራሕ ዘይኮና ክንቀትልውን’ና” እናበሉ ክፍክሩ ተራእዩ።
ኣቶ ሙሳ ብላል ካብ ከተማ ገዳርፍ ምስ ተመልሰ፣ ግዜ ንምኽሳብ ናብ’ቲ ኩሉ ግዜ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ብዓዋሚል ዘዕለቕልቕ እንዳ ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ብምብጻሕ፣ ጥርሑ ኩርሲ ንምርካብ ሃሰው እናበለ ከሎ፣ ብኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ብሕት ዝበለ ቦታ ኣቶ ኣልጃዓልን እድሪስን ኮፍ ኢሎም ምስ ረኣዮም ናብኦም ኣምረሐ። ምስ እቶም ዝጽበዩዎ ዝነበሩ ምስ ተራኸበ፣ ከም ልሙድ ዜጋታት ሱዳን

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን