February 2, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

5

ካብ 1957-1958 ሓደ ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥ፣ ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘካይድ ምንቕስቃስ ከምዝተመስረተ ዝብል ሓበሬታ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ፖርት ሱዳንን ከሰላን ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ጀመረ። ብተወሳኺ’ውን ክፍሊ ስለያ መንግስቲ ኤርትራን ሰዓብቱን፣ ገለ ተጻረርቲ መንግስቲ ዝኾኑ ዘረግቲ ሰላምን ምርግጋእን፣ ኣብ ሰፋሕቲ ከባቢታት ኤርትራ ዝተዘርግሑ ጉጅለታት ሸፋቱ ከም ዘለዉ፣ መንግስቲ ብዝከኣሎ ክሃድኖምን ክገጥሞምን ይንቐሳቀስ ከም ዘሎ፣ ገሊኦም’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎም፣ ገለ ኣንጻራት ዝኾኑ ሰባት ድማ ህውከትን ዕግርግርን ንምስፋን ሓደ ምስጢራዊ ዝኾነ ተቓዋሚ ብሽም ማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ውድብ ከም ዝመስረቱ፣ ዝብሉ ተወናጨፍቲ ወረታት ክዝርጉሑ’ውን ጀመሩ።ኩነታት ኤርትራ፣ ብኸምዚ ዓይነት ተወናጨፍቲ ወረታትን ቤላ-ቤለውን እናተሓመሰ እንከሎ፣ ሓጎስ ኣርዓዶም፣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝወዓየት መዓልቲ፣ መንበሪ ገዛ ዓርኩ እድሪስ መሓመድ ሳልሕ ኳሕኮሐ። ብሃንደበት ክፈልጦ ዘይከኣለ፣ መንሱር ወዲ እድሪስ ዓርኩ ኣብ ቅድምኡ ግትር በለ’ሞ ብዙሕ ከይተገደሰሉ:-“መን’ኻ? እንታይ ከ ደለኻ?”ትርር ኢሉ..

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ