January 12, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

(2)

እድሪስ ብ1956 ከሰላ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ እታ ከተማ ብሰንኪ ምውድዳር ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳንን ዘውጽኡዎ ዝነበሩ ተገራጫውን ነንበይኖም ኣዋጃትን መግለጺታትን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ለውጢ ዝደልዩን ዘይደልዩን ኣባላትን ወገናትን ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት(1) ብሓደ ሸነኽ፡ ኣብ መንጎ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረትን ብመሰረት ሳልሳይ ጉባኤኡ ብምክያድ ንኣቶ ዓብዱልኻልቅ ማሕጁብ፡ ዋና ጸሓፊኡ ዝመረጸ ኮሚኒስታዊ ሰልፊ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ዓሚቚ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክትሕመስ ረኸባ።እድሪስ፡ ከም’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን’ውን ፖለቲካዊ ዒላማታቶም ንምጭባጥን ጽልዋታቶም ንምስፋሕ ቀቢላውን ሃይማኖታውን ዓቕምታቶምን ጽልዋታቶምን ተጠቒሞም፡ ንሰዓብቲ ቀቢላታቶምን ሃይማኖታቶምን ከንቀሳቕሱ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብዝተፈላለዩ ድሑራት ኣገባባት ንሰራሕተኛታትን ሓረስቶትን ሱዳን ክኸስቡ ክንቀሳቐሱ ብምዕዛቡ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓባትን

Latest Articles

ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ቀይሕ...

السياسة الارترية في القرن الافريقي وفي جنوب البحر الاحمر

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam at the 19th...