January 19, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

3

ቤት ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ንእድሪስን ንዝተፈላለዩ ኣዕሩኽቱን፣ ከም ሓንቲ ደሃይ ኣዝማድን ኩነታት ሃገርን ዝዝትዩላ ቦታ እናኾነት ብምምጻኣ፣ ካብ ተጸናጸንትን ምስ ፖሊስ ሱዳንን ስለያ ኢትዮጵያን ዝሰርሑ ወኪላት ከይፈርሑ፣ ብደገፍ ኣቶ ኣልጃዓሊ ተተባቢዖም፣ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እንተላይ ተኣፈፍቲ ናይ ፖለቲካ ጉዳያት ከይተረፉ፣ ብወግዕን ዓውታን ዝመያየጡላ ባይታ ኮነት። ምስ ግዜ፣ እታ እንዳ ሻሂ ቖላሕታ ተቐማጦ ከባቢኣ ክትስሕብ ብምጅማራ፣ ብዙሓት ብጥርጣረ ክዛረቡላን ከሓቱ’ላውን ጀመሩ። ዝእከቡ ሰባት ካብ ግፍዕታት ስርዓት ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ምስ ተፈልጠ፣ ገለ ቀናኣት ነቲ ንኤርትራውያን ዝወሃብ ነጻ ትምህርትን ሕክምናን ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ ክብሉ ተበገሱ። ቀጺሉ ገለ ኣብ ከባቢ ሹቕ ከተማ ከሰላ ዝርከቡ ኣባላት ቀብላ ፈላታ (1) ምስ ገለ ኣባላት ፖሊስን ስለያን ሱዳን ተመሻጥሮም፣ ሃገራዊ ረብሓ ሱዳን ክሕሎ ኣለዎ ብዝብል ምስምስ፣ ንእድሪስን ቀረብቱን ክከታተሉ፣ ክርብሹን ክሕሱዉን ጀመሩ።ሕሉፍ-ሓሊፉ፣ ገለ ዓያሹን ደናቁርን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፣ ቀቢላ በኒዓሚር ንህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ዘይውክሉ ወጻእተኛታት ኢዮም፣ ተጻረርቲ ሰውራ ኢማም ማህዲ ነይሮም ወ.ዘ.ተ. ብዝብል ጸለመታት

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ