July 20, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል ኣልማማዊ ቝጠዐ
(6)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
እድሪስ መሓመድ ሳልሕ፣ ካብ’ታ ኣብ ቃሮራ ዘኣንገደቶ ስድራ-ቤት ባናይ ተሰናቢቱ፣ ናብ መሬት ዓደቦ ብ 31 ሕዳር 1964 ተበገሰ። ድሕሪ ዘይኣድካሚ ጉዕዞ ብኣግማል፣ ፍርቂ መዓልቲ ብከባቢታት ኣፍላግን ዒላ ጻዕዳን ኣቢሉ፣ ዓላከብ ኣብ ዝተባህለ ምስ ስድራ-ቤቱ ምስ በጽሐ (1) ንበዓልተ-ቤቱን ክልተ ደቁን፣ መንሱርን ዘይነብን፣ ጽዕነት ኣግማሉ ንኸራግፍ ክሕግዙዎ ጸወዖም። ብዙሕ ከይጸንሐ፣ ኣጋይሽ ምዃኖም ዝተዓዘብዎ ደቂ’ቲ ከባቢ ተቐላጢፎም ሰላምታ ድሕሪ ምልጋስ፣ ማይን ዕንጸይትን ቀረቡሎም፣ ክሳዕ ምሳሕ ዝቐርብ ከዕርፉ ብኣኽብሮት ሓተቱዎም።

Download

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...