December 1, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

(3)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

እድሪስ፡ ክበጽሖም ዝግባእ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት መርዓን ሓዘንን እንተ ዘይረኺቡ፡ ምስ ዝፈልጦም ሰባት ንሓደ ክልተ ሰዓት፡ ሻሂ ቡን ኣብ ገለ እዋን ድማ፡ ዝሑልን ሓድሽን ጽሟቚ ለሚን እናሰተየ፡ ፖለቲካዊ ኣርእስታት ኣልዒሉ እናተኻተዐ፡ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዕርፍቱ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ኾይኑ የሕልፎ ነበረ።ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፡ ምፍልላይ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝኾነ ዝርዳእ፡ ኩነታት ኣዕሩኽቱ ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ዓቃልን ለጋስን ሰብ ብምንባሩ፡ እቲ ብማዕዶ ዝተዓዘቦ ብኽያትን ምድፍናቕ እድሪስን ዓርኩን ከህድኦም ብምባል፡-“ስለምንታይ ከም ኣንስቲ ትበኽዩ ኣለኹም? ዝርእየኩም ሰብ እንታይ ክብለኩም’ዩ? በጃኹም ብኽያት ግደፉ።”ሓንቲ ምሸት ከም ልሙድ፡ ኣብ’ታ እንዳ ሻሂ ዘስተማቕሮ ጽሟቚ ለሚን እናሰተየ ከሎ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ባጽዕ ዝገደፎም፡ ወዲ እታ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ፖሊስ መንግስቲ ኣስፈሃ ወልደሚካኤል ዝነበረት ዓዲ፡ “ዓይለትን ጉምሆትን” ዝኾነ፡ ኣቶ ዑመር የመኒ ዝተባህለ ዓርኩ ብማዕዶ ረኣየ። ከይተፈለጦ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ጠንጢኑ ናብ’ቲ ዝረኣዮ ዓርኩ ኣምረሐ። ክልቲኦም ክራኸቡን ተሓቛቚፎም ክሰዓዓሙን ኪበኽዩን ሓደ ኮነ።

 

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን