December 29, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

(7)

ክልቲአን ስድራ-ቤታት እድሪስን እታ ኣብ ኸሽም ኣልግርባ (1) እትነብር ስድራ-ቤት ሓጎስ ኣርዓዶምን ኣዋርሕ ዝኸውን ስለ ዘይተራኸባ: እድሪስ ኩነታት ሓጎስን ስድራ-ቤቱን ኽፈልጥ ምስ በዓል-ቤቱ ወይዘሮ ፋጥማ ክበጽሖም ወሰነ።
ዕለት ምብጋስ ምስ ኣኸለ እድሪስ: ናይ ንግሆ ሰላት ሰጊዱ: ጎፍጓፍ ጀላብያኡን ሸውዓተ ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ዑማመቱን: ካብ ቈርበት ከብቲ ዝተሰርሐት ሳእኑን ወድዮ: ካብ ዕዳጋ ከሰላ ዝገዝኣ ውቅብቲ “ኑባዊት” በትሪ ዓቲሩ: ወይዘሮ ፋጥማ ብወገና ከምተን: ኣንስቲ ከተማ ከሰላ ዝኽደንኦ: ካብ ጡጥ ዝተፈትለ: ኣብ መላእ ሰብነት ዝጥምጠም ሕብራዊ “ቶብ” (2) ጌራ: ሓድሽ ሳእኒ ለቢሳ: ኣውቶቡስ ተሰቕሉ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ከኣ: ኣብታ ዝመደብዋ ከተማ በጽሑ። ካብ መዕረፍ ኣውቶቡስ ብእግሮም ተበጊሶም ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሓጎስ ኣርዓዶም ደው በሉ። እድሪስ: ማዕጾ ምስ ኳሕኰሐ: በኹሪ ወዱ ንሓጎስ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ:-“ብሩኽ ድኻ?” ኢሉ ሓተተ። እድሪስ ኣብ መልክዑ ስለ ዝተጠራጠረ። ብሩኽ ንሱ ምዃኑ ብፍሽኽትኡ ስለ ዝመለሰሉ ከኣ­:- “ሰብኣይ ኰንካ።” ዝብል ለቀበ ብምግራም፣ ኣስዒቡ:-“ኣቦኻ ኣሎ ዶ?።” ክብል ድማ

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ