December 29, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

(7)

ክልቲአን ስድራ-ቤታት እድሪስን እታ ኣብ ኸሽም ኣልግርባ (1) እትነብር ስድራ-ቤት ሓጎስ ኣርዓዶምን ኣዋርሕ ዝኸውን ስለ ዘይተራኸባ: እድሪስ ኩነታት ሓጎስን ስድራ-ቤቱን ኽፈልጥ ምስ በዓል-ቤቱ ወይዘሮ ፋጥማ ክበጽሖም ወሰነ።
ዕለት ምብጋስ ምስ ኣኸለ እድሪስ: ናይ ንግሆ ሰላት ሰጊዱ: ጎፍጓፍ ጀላብያኡን ሸውዓተ ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ዑማመቱን: ካብ ቈርበት ከብቲ ዝተሰርሐት ሳእኑን ወድዮ: ካብ ዕዳጋ ከሰላ ዝገዝኣ ውቅብቲ “ኑባዊት” በትሪ ዓቲሩ: ወይዘሮ ፋጥማ ብወገና ከምተን: ኣንስቲ ከተማ ከሰላ ዝኽደንኦ: ካብ ጡጥ ዝተፈትለ: ኣብ መላእ ሰብነት ዝጥምጠም ሕብራዊ “ቶብ” (2) ጌራ: ሓድሽ ሳእኒ ለቢሳ: ኣውቶቡስ ተሰቕሉ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ከኣ: ኣብታ ዝመደብዋ ከተማ በጽሑ። ካብ መዕረፍ ኣውቶቡስ ብእግሮም ተበጊሶም ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሓጎስ ኣርዓዶም ደው በሉ። እድሪስ: ማዕጾ ምስ ኳሕኰሐ: በኹሪ ወዱ ንሓጎስ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ:-“ብሩኽ ድኻ?” ኢሉ ሓተተ። እድሪስ ኣብ መልክዑ ስለ ዝተጠራጠረ። ብሩኽ ንሱ ምዃኑ ብፍሽኽትኡ ስለ ዝመለሰሉ ከኣ­:- “ሰብኣይ ኰንካ።” ዝብል ለቀበ ብምግራም፣ ኣስዒቡ:-“ኣቦኻ ኣሎ ዶ?።” ክብል ድማ

Latest Articles

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...

Hamid Idris Awate, the legend

ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ ኤምባሲ ሃገረ...