January 5, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ

ካልኣይ ምዕራፍ

ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

(1)

እድሪስ መሓመድ ሳልሕ፣ ጽኑዕን ሓያልን፣ ብፖለቲካዊ ምቅይያራትን ምግልባጥን ዝጽሎ ወይ ዝትንከፍ ሰብ ኣይነበረን። ህዝቢ ብኸመይ መነባብርኡ ይመሓየሽ ዝብል ቀንዲ ኣተክሮን ኩቱር ሓሳባትን ነበሮ። ካብ’ቲ ኣብ ከተማ ከሰላ ዘሎ ዓርኩ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ልዑል ምትብባዕ ይረክብ እንተነበረ’ውን፣ ምረት ስደት እናተጻወረ ጉዕዞኡ ይቕጽል ነበረ። ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ምስ እድሪስ ጽቡቕ ምቅርራብ ስለ ዝነበሮ“ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ንብዙሕ ግዜ ተኣልየ’ኳ እንተ ነበርኩ፣ ንሕና ሱዳናውያን ብባህርና፣ ፖለቲካዊ ክተዓት ስለ እንፈቱ፣ ክንርሕቀሉ’ውን ስለ ዘይንኽእል፣ ፍልጠትና ብዛዕባ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፖለቲካዊ ኩነታትን ጉዳያትን፣ ብፍላይ ንኤርትራ ዝምልከት፣ ንምፍላጥን ንምርዳእን፣ ምስ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ክንተሓባበርን ክንደናገጽን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ብምርድእ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣዕሩኽተይ ተዘራሪበሉ እየ።”

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን