November 10, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ

መእተዊ
ተወልደ ወልዳይ (ጀርመን)

እዚ መጽሓፍ’ዚ ብትሕዝትኡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ መላእ ሃገርን ወጻኢን ዘለዓዓሎ ኣልማማዊ ቍጥዐ፣ ማለት ካብ ግዜ “ፈደረሽን” ክሳዕ ዝለዓለ ጎነጻዊ ተቓውሞ ዝነበሮ ተራ ይትርኽ። ብኣቀራርብኡ ካብቲ ልሙድ ኣጸሓሕፋ ዛንታ ፍልይ ብዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቃልሲ ካብ ግዜ ምብርባሩ ኣብ ዕለታዊ ሂወቱ ጸንቢሩ፣ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ቂምታ ካልኢት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ፍጻሜታት ተኸታቲሉ፣ ዘጓንፉ ዝነበሩ ኩሎም መልክዓት ብድሆታት ተረዲኡን ነቂሑን ብኸመይ ሓድነቱ የደልድል፣ ናይ ቃልሱ ወኒ የማዕብል፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእዩኡ መትከላዊ እምነቱ ይጽንዕ፣ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣህዛብ ምቕሉልን ዓቃልን ዝምድናታትን ምሕዝነትን ፈጢሩ ንፍትሓውነት ቃልሱ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ ዘካየዶም ዝተጻወቶ ተራን ብመልክዕ ዕለታዊ ርክባትን ዝርርብን ይትርኽ።ኣብዚ መጽሓፍ ነቲ ኣህዛብን ሃገራትን ግዙኣት ካብ ብዕዳዊ ኣርዑት መግዛእቲ ተላቒቐን ናጽነተን ክእውጃ ከለዋ፣ ኤርትራን ህዝባን ግን ብጸቕጥን ምጉዕጻጽን ሓያላት ሃገራት ስማዊ ፈደረሽን ከም መሰጋገሪ ተጠቒመን ዳግም ኣብ ትሕቲ ጸሊም ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ዝሸመምኦ እዋን ጀሚሩ፣ ዘካየዶ ሰላማዊ ቃልሲ፣

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን