December 15, 2022

ኤርትራ ውፉይ ጻዕሪ ንዞባዊ ሰላምን ዕብየትን

ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ሪፑብሊክ ኬንያ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ምርግጋጽ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፡ ኣብ ምምዕባል ዞባዊ ንግድን ወፍሪን ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን። ኣቐድም ኣቢሉ እውን፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፑብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ፈጺሙ ነይሩ። ራእይ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ሰላምን ፍትሒን ዝሰፈና ሃገር ልምዓትን ቀጻሊ ዕብየትን ምህናጽ እዩ። እዚ ዘቤታዊ ራእይ’ዚ ክሰምር፡ ህላወ ሰላማዊን ርጉእን ተመላላእን ጎዶቦ ወሳኒ ምዃኑ ድማ፡ ጽኑዕ እምነት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ’ዩ። ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ ኤርትራ፡ ዋላ እኳ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ጸጥታን ሰላምን እትውንን ሃገር እንተኾነት፡ ጎዶቦኣ ብምሉኡ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፡ ልቡ ኣውዲቑ፡ ናብ ልምዓትን ምትሕብባርን ሽርክነትን ምዕባለን ኬቕንዕ ልዑል ባህጊ ኣለዋ።

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie