November 17, 2018

እቲ ሕቶ “ምልዓል እገዳ” ዘይኮነ –
ብቐደሙኸ ስለምንታይ እገዳ’ዩ?

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ትማሊ መዓልቲ፣ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ ታሕሳስ 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘስገደዶ ዘይፍትሓዊ ውሳነታት እገዳ ኣልዒልዎ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ንኣስታት 10 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምኽኑይ ጉድኣት ዘውረደ ኢፍትሓዊ ውሳነ ንምእራም ዝተወስደ ስጉምቲ ደንጉዩ እውን እንተመጸ ብሓጎስ ይቕበሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ምስኩር ናይ መኸተ ያታኡን ዓቕሉን፡ ነዚ ጽንኩር እዋን ብጽንዓት በዲሁ፡ ብዓወት ምውጽኡ ልዑል ክብሪ ይህቦ። ከምኡ’ውን ንኹሎም ብሞራልን ዝተፈላለየ መገዲታትን፣ እዚ ዘሕፍር ውሳነታት እገዳ ንኽልዓል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣዕሩኽ ኤርትራ ምስጋናኡ ይገልጽ። ዮሃና ንኹሎም! ነዚ ጸሊም ምዕራፍ’ዚ ብምዕጻው፣ ናብ መጻኢ ኣብ እንጥምተሉ ዘለና ኣጋጣሚ ግና፣ ካብዚ ተሞኩሮ’ዚ ዝተጋህደ ሓቅታት ከነስተንትኖ ግቡእ እዩ። ኤርትራ ስለምንታይ እያ ግዳይ ኮይና? ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈጸመ ላግጺ ዝደገፈ ኩነታትከ እንታይ’ዩ? . .

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ