September 24, 2017

ካልኣይ ኣርእስቲ – ተኸራኸርቲ ወገናት
ምዕራፍ 1. ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Part 3

ዓንቀጽ 63. – ደረት ተፈጻምነት

(1) ድንጋገታት ናይዚ ምዕራፍ ኣብ ትሕትዚ ሕጊ ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዳንነት ተፈጻምነት ይህልዎም።
(2) ድንጋገታት ናይዚ ምዕራፍ ንይግባይ ኣብ ዝትግበርሉ ግዜ “ይግባይ በሃሊ” ን “ወሃብ መልሲ”ን ዝብሉ ቃላት ከከም ኣድላይነቱ “ከሳሲ” ን “ተኸሳሲ” ን የጠቓልሉ።

ዓንቀጽ 64. – ብቕዓት

(1) ዝዀነ ሕጋዊ ብቕዓት ዘሎዎ ሰብ ተኸራካሪ ወገን ኪኸውን ይኽእል።
(2) ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ኽሲ ስሩት ረብሓ ኣብ ዝህልውሉ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ፣ ዝዀነ ሰብ ክኸስስ ኣይክእልን።
(3) ብኸሳሲ ካብኡ ዝሕተት ዝዀነ ኽሲ ኣብ ዝቐርበሉ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ፣ ዝዀነ ሰብ ተኸሳሲ ዀይኑ ኣይቀርብን።
(4) ድንጋገታት ናይዚ ዓንቀጽ፣ ኣብ ትሕትዚ ሕጊ ንዝተፈቕደ ምጥማር ናይ ተኸራኸርቲ ወገናት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይድርቱን።

Latest Articles

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...

Hamid Idris Awate, the legend

ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ ኤምባሲ ሃገረ...