September 30, 2017

ካልኣይ ኣርእስቲ ጽሑፋት ክርክር
ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Part IV

ዓንቀጽ 133. – ፍርዳዊ ጕዳይ ብኽሲ ይጅምር

(1) ንጥርዓናትን ኣቤቱታን ዚምልከት ድንጋገታት ናይዚ ሕጊ ገዲፍካ፣ ነፍስ-ወከፍ ጕዳይ ምልክታ ክሲ ኣብ መዝገብ ቤት ፍርዲ ብምስፋር ይኽፈት።
(2) ነፍስ-ወከፍ ክሲ ኣብዚ መጽሓፍ ብዝሰፈሩ ሕግታት መሰረት ይዳሎ።
ዓንቀጽ 134. – መዝገብ ክሲ

ኣብ ዓንቀጽ 159 ዝተደንገገ ዝተሓለወ ኰይኑ፣ ረጂስትራር ዝርዝር ናይ ነፍስ-ወከፍ ክሲ ኣብ መዝገብ ሲቪላዊ ኽስታት ከም ዚምዝገብ ይገብር። ከምዚ ዝኣመሰለ እታው ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዓመት በቲ ኽሲ ዝቐረበሉ መስርዕ መሰረት ቍጽሪ ይወሃቦ።

ዓንቀጽ 135. – ናይ ዳንነት ክፍሊት

(1) ዝዀነ ኽሲ ብመሰረት ዓንቀጽ 160 ግቡእ ዳንነት ከይተኸፍሎ

Latest Articles

“Eritreans are not only patriotic, but they are also...

Hajayat Mendal: A Cultural Powerhouse and Inspiration...

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...