March 21, 2021

ካብ ምድምሳስ ናደው እዝ
ክሳብ ግንባር ደቀምሓረ

ድሕሪ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝተራእየ – ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ፡ ምድምሳስ ናይ’ቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበረ ‘ናደው እዝ” እዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ፡ ንትሽዓተ ዓመታት መመላእታ ጸላኢ ክትንከፍ ዘይክእል ዕርዲ’ዩ እናበለ ክምከ ሓሉ ዝጸንሐ እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ዕለት17 ክሳብ 19 መጋቢት ኣንጻሩ ብዘካየዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ከምዘይነበረ ኮይኑ። መደበሩ ዝነበረት ከተማ ኣፍዓበት ከኣ ሓራ ኮይና። ካብቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ 20 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ድማ፡ እቲ 18 ሽሕ ኣብ መንጎ ምሩኽ፡ ምዉትን ቁሱልን ኮይኑ። ንመጀመርያ ግዜ እውን፡ ምስኡ ተሰሊፎም ካብ ዝነበሩ ሶቬታውያን መኮንናት – ሰለስተ፡ ማለት ክልተ ኮሎኔላትን ሓደ ሓለቓ ሚእትን ተማሪኾም። ኣብ ‘ናደው እዝ’ ዝነበረ ንብረት ጸላኢ፡ እንተላይ ቢ.ኤም 21 ወንጨፍቲ ሮኬታትን ናይ 130 ሚሊ ሜተር መዳፍዕን ንብረት ሰውራና ኮይኑ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን