September 9, 2017

ክልተ ወርሓዊት መጽሔት
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ
ቃል ኣሰናዳኢ

ዘለናዮ ቅነ፡ ትካላት ትምህርቲ ንክረምታዊ ዕረፍቲ ዝተዓጸዋሉ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወድኡ መንእሰያት ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሰጋግር ትምህርቲ ንምቕሳምን ሃገራዊ ኣገልግሎቶም ንምፍጻምን ናብ ማእከል ስልጠናታት ሳዋ ዝኣትውሉ፡ ንዓመት መመላእታ ኣካዳምያዊን ወተሃደራዊን ትምህርቲ ክቐስሙ ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምረቕሉ፡ ኰለጃትን ኣብያተ ትምህርቲ ስነ-ኪነትን ብዝተፈላለየ ዓውድታት ንዓመታት ዘሰልጠንኦም ተማሃሮ ብምምራቕ ፍረ ጻዕረን ዝሓፈሳሉ፡ ትምህርቶም ዝዛዘሙ መንእሰያትን ወለዶምን ብከብካብ መመረቕታ ዝተፈስህሉ ወርሒ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መጽሔት መንእሰይ፡ ብዛዕባ ትምህርቲን ዕላማታቱን ዘሎና መረዳእታ ንምስፋሕ ዝሕግዝ ሓሳባት ኣልዒላ ኣላ። ዘሎናዮ ወቕቲ ክረምቲ ምስ ምዃኑ፡ ብሕልፊ ተመሃሮን መንእሰያትን ግዜና መጻሕፍቲ ኣብምንባብን ካልእ ኣእምሮና ኣብ ዘስፍሕ ቁምነገርን ከነሕልፍ’ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ንሰብ ብሕልፊ ድማ ንመንእሰይ ግርማኡ እዩ። መግለጺ ውሽጣዊ ጽባቐኡ እዩ። እቲ ዝመልክዐን ግርማ ዘለዎን መንእሰይ፡ እቲ ኣንባቢ መንእሰይ’ዩ። ዘየንብብ፡ ናይ ምምሳጥ፡ ምግራምን.

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ