January 8, 2022

ወግዒ ምስ ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድ ኑር – 2003

ብኣጋጣሚ መበል 42 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ጳውሎስ ነታባይ

ኣሽንባይዶ 39 ዓመት፡ 39 ስጉምታት’ኳ ጋእ ኢልካ ንድሕሪት ክትምለሰን ኣዝየን ኣድከምቲ እየን። ገለ ሰብ፡ ገና ጕዕዞ ከይጀመረ ዘልሓጥን ሰንደልደልን የብዝሕ። ክንዮ እቲ ራሕቂ ዘሎ ምስጢር ሓሕዩን ፈቲጉን ክፈልጦ ንያት የብሉን። እቲ ምስጢር፡ ኣብ ንያትን ጽንዓትን፡ ኣብ ዕላማኻ ምፍቃርን እምነትን’ዩ ዘሎ። ኣብቲ ብርቱዕ ደበንገረ ጸላም ዘሎ ንእሽቶይ ጩራ፡ ናይ ዝነወሓ ጕዕዞ ተስፋ እያ። ሓደ ካብቶም ብዘይጽንፈፍ ተስፋ ዕላማኦም ኣሚኖም፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ምፍቃር ጸኒዖም ዋጋ ሂቦም ኣብ ቃልስን መንገዲ ቃልስን ዝሸምገሉ ተጋደልቲ፡ ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድ ኑር እዩ። ድሕሪ 39 ዓመታት፡ ነቲ ናይ ሽዑ መንእሰይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ሕጂ ክንረኽቦ ኢና። እቲ ርክብ፡ ኣብዚ ንመበል 42 ዓመት ብረታዊ ቃልስና እንዝክረሉ ዘሎና ግዜ ክኽውን መሪጽና። ከመይሲ፡ ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ጕዕዞ ብረታዊ ቃልስና፡ ተጋዳላይ ሮሞዳን መስርዕ ኣይቆረጸን፡ ኣይተበርየን፡ ሓደ ክልተ እናበለ 30 ደፊኑ 91 ናጽነት ኣበሲሩ። ሓርበኛ ሮሞዳን ኣይደኸመን፡ ኣይሰልከዮን፡ ተጋዲሉ ኣጋዲሉ ጕዕዞ 30

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን