March 5, 2024

ወግዓዊ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ 24 – 26 ለካቲት 2024

 ጳውሎስ ነታባይ

ኤርትራን ግብጽን፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዳወባ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃነን፡ ዝምድናአን ዘመናት ዘቚጸረ’ዩ። በብእዋኑ ዝርከብ ዘሎ ጥንታዊ ቅርስታት’ውን ኣብ መንጎ ነበርቲ ምድሪ- ባሕሪ (ናይ ሎሚ ኤርትራ)ን ጥንታውያን ግብጻውያንን ንዝነበረ ንግዳውን ካልእን ዝምድናታት ዘረጋግጽን ዘጒልሕን’ዩ። ብዝበለጸ እናደልደለን ህዝባዊ መልክዕ እናሓዘን ዝመጽአ ግና፡ ኤርትራ ኣንጻር ድሌት ህዝባን ኣህጉራዊ ሕግን፡ ብጉልባብ ፈደረሽን ምስ ዘውዳዊት ኢትዮጵያ ክትቊረን ድሕሪ ዝሓለፈ ዓማጺ ብይንን ድሕሪ 10 ዓመቱ ዝሰዓበ ምልሓቕ ኤርትራ ብኢትዮጵያን፡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ምስ ተሰደዱ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መራሒ ግብጺ ዝነበረ ጀማል ዓብደልናስር፡ ነቶም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ፈነወ ሬድዮ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...