July 13, 2019

ዓመት ድሕሪ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን

ዓሚ 9 ሓምለ 2018፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናትን ተጻብኦን ኣብቂዑ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ዝዓለመ 5 ዓምድታት ዘለዎ፡ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ ዝኸተሙሉ ታሪኻዊ ዕለት እዩ ነይሩ። ዕዙዝነት ናይዚ ታሪኻዊ ስምምዕ’ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብቲ ብዶባዊ ምስሕሓብ ተመኽንዩ ዝተወልዐ ናይ 1998-2000 መጠነ ሰፊሕ ኲናት ዝደመዩዎን ዝኸሰሩዎን ከይኣክል፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መጋባኣያ ፍርዲ ቀሪቡ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ምስ ተገብረሉ እውን፡ ስርዓት ወያነ ትግባረኡ ንምዕንቃጽ ን16 ዓመታት መመላእታ ካብ ሕጊ ኪሃድም ዝቐጸሎ ተጻብኦታት ሰጊርካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምዃኑ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ምኽታም ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ጠንቂ ናይዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት’ዚ፡ ብቐንዱ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናት ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያላን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ዞባና ናብ ሓድሽ መድረኽ ዝሰጋገር ዘሎ፡ ብቐንዱ ሱር ናይቲ ሽግር ብፍሽለት ስለዘብቅዐን ኣብቶም ግዳይ ናይዚ…

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን