August 29, 2020

ዕዙዝ ሰውራ መስከረም ኣብ መበል 59 ዓመቱ

መሓመድ ኑር ያሕያ

ሎሚ ቅነ፡ ሃገርና ነቲ ህዝብና ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ፍረ ምስ ሰኣነሉ ዝኣወጆ ዕጥቃዊ ቃልሲ መበል 59 ዓመቱ የኽብር ኣሎ። ህዝብና ኣብ መስርሕ ቃልሱ ዕላማኡ ንምዕዋት ብዙሕ መስዋእቲን ክቡር ዋጋን ከፊሉ እዩ። ከምኡውን ንሃገራዊ ሉኣላውነቱ ዒላማ ዝገበረ ብስርዓት ወያነን ኣብ ጐኑ ደው ዝበሉን ዝሓገዝዎን ሓይልታትን ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካት መስዋእቱ ቀጺሉዎ። ሎሚ ህዝብና ኣብ ኣብ ድርኹሩዂት ዝኽሪ 60 ዓመት ደው ኢሉ ነዚ በዓል’ዚ ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ጸላእቲ ብዝፈጸምዎ ኲናት ዝተፈጸመ ዕንወት ዳግም ንምህናጽ ቅልጽሙ ገቲሩ ኣሎ። መትከል ሰናይ ጉርብትና ብምትግባር ከኣ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ኢዱ ዘርጊሑ ይርከብ። ነቲ ወራር ስርዓት ወያነ 1998-2000 ከምኡ ድማ ን18 ዓመታት 2000-2018 ዝቀጸለ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ዝዓንቀጾ መድረኽ ህንጸትን ኣጠቓላሊ ልምዓትን ንምትግባር ተበጊሱ ኣሎ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን