January 2, 2022

ዝኽሪ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ
ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ህ.ግ.
ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር

 ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ኣብ ዓለም፡ ቅያታት ዝፍጸም፡ ብብርቱዕ ድሌትን ፍቕሪን’ዩ። እቲ ንግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያልን ፈንጢሱ፡ ዓለም ኣይክኣልን ዝበለቶ ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት ክውን ዝገበረ ተኣምራታዊ ታሪኽ፡ ምንጩ ብርቱዕ ባህጊ ናጽነት፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን፡ ዘይንቕነቕ እምነት ኣብ ዕላማ ዝሰረቱ ጽንዓት ናይቶም ቀዳሞትን ዝሰዓብዎም ወለዶታት ተቓለስትን’ዩ። ሎሚ….ሓደ ካብ ወነንቲ፡ መራሕቲን ኰስኰስቲን’ዚ ክብርታት’ዚ ዝነበረ ክቡር ብጻይ ነፋኑ ኣሎና። ብተወፋይነቱን ብቕዓት መሪሕነቱን ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስና ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ፣ ገዲም ተቓላሳይን ኣብነታዊ መራሕን፡ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ፍሉይን ዕዙዝን ታሪኹን ሃገራዊ ፍቕሩን፡ ብልዑል ክብሪ እናዘከርና ንሰናበቶ ኣሎና።
ብጻይ ሮሞዳን፡ ኣብ መስከረም 2003 ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ “ካብ ኩሉ ኣብሊጽካ እትፈትዎ ነገር እንታይ’ዩ” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ብዘይካ ኤርትራ እንታይ ክህሉ፣ ኩሉ ነገር ድሕሪ ኤርትራ’የ ዝሰርዖ” ክብል መሊሱ። “ኣብ ቃልሲ መዓስ ተሳቲፍካ” ምስ ተባህለ ከኣ፡ “እቲ ንሜዳ ዝወጻናሉ፡ ካልእ መድረኽ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ነይሩ። ሃገራዊ ቃልሲ ግን፡ ምስ መዛኖይ ቆልዑ ከለና፡ ኣብ ከባቢ 1952 ኢና ጀሚርናዮ” ክብል ገና ብንእስነቱ ሓያል ሃገራዊ ፍቕሪን ናይ ምቅላስ መንፈስን ከምዝሓደሮ ገሊጹ ነይሩ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን