June 17, 2026

ዝኽሪ ሰማእታትና ዘንተእለት ንኽነብር
20 ሰነ

ብ/ሙሓመድኑር ያሕያ
መዓልቲ ናጽነት ምስ ኣኽበርና ናብ ረዚን ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት፡ 20 ሰነ ኢና እንሰግር። ወግዓዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ቀጽሪ እቲ ክቡር መካነ መቓብር ሓርበኛታት እዩ ዝካየድ። ስድራቤታትን ብጾትን ኮታስ ኩሉ ህዝቢ፡ ኣብዚ መካነ ክቡራን ሰማእታት ብምብጻሕ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ኣብ ሕድሮም ክጽነዕ ቃል ይኣትወሎም።
እዛ ክብርቲ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት ሓደ ምስ ኮነ፡ ብናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ዝክረ ሰማእታት ትዛዘም። ቃልን ሕድርን ደጊምና ብምጽናዕ ከኣ ብሓበን ንፋነዋ።
ኣብዛ ናይ ዝኽሪ ዕለት ተቓልስቲ ብጾት፡ ህያው ሰነድን ምስክርነትን ናይቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ብልዑል ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝተሰግረ ቃልስን ምረትን

download

Latest Articles

Statement delivered by Minister Osman Saleh Mohammed

Eritrean delegation participating in United Nations...

Keynote remarks by Minister Osman Saleh at the State of...