June 13, 2022

ዝኽሪ ሰነ
6ይ ወራር ኣብ 40 ዓመቱ

ጸሓፊ፥ ሰለሙን በርሀ
መእተዊ
ዘለናዮ ወርሒ ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመት መጽአ፡ ነቶም ብልዑል ጽንዓትን ተወፋይነትን ናጽነት ኤርትራ ክውን ዝገበሩ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ልኡላውት ሃገር ከይድፈር ክቡር ህይወቶም ዝበጀዉ፡ ብሉጻትን ጀጋኑን ዜጋታቱ ዝዝክረላ ወርሒ እያ።
እዛ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እምብዛ ረዛን ዕለት 20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኮይና ክትዝከር ዝተመርጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብዕብየቱን ሓደገኛነቱን ጥርዚ ኩሎም ወራራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሻድሻይ ወራር (ብኣጸዋውዓ ስርዓት ደርግ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ)፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሰደ መሪርን ደማዊን ምርብራብ ብፍሽለት ዘብቅዓላ ዕለት ብምዃና እዩ። ተጋዳላይ፡ ነቲ ስርዓት ደርግ ክልተ ዓመት ምሉእ ሰፊሕ ምድላዋት ገይሩ፡ ብልዑል ርእሰ-ተኣማንነት፡ ሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰስ ምዃኑ ብኣዋጅ ኣፍሊጡ ዘንቀሎ መጠነ ሰፊሕ ወራር መኪቱ ንምፍሻል ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ከፊሉ። ኣብዚ ናይ ሞትን ሕየትን መሪር ጥምጥም፡ ልዕሊ 2700 ሕሩያት ጀጋኑ ደቂ’ዛ መሬት መስዋእቲ ክኾኑ ከለዉ፡ ልዕሊ 5000 ተጋደልቲ ከምዝቖሰሉ ሰነዳት ሓርነታዊ ቃልሲ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...