September 5, 2022

ዝኽሪ ቀዳሞት ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ
መስከረም 1961 – መስከረም 2022

ሓዳስ ኤርትራ
ናይ ሎሚ ዓመት ባሕቲ መስከረም፡ መበል 61 ዓመት ‘ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት’ እንዝክረላ ዕለት እያ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ቅያታት ናይ ዘስፈሩዋ ሓርበኛታት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ጅግንነት ወስ ክንብል ግድነት እዩ። መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ ካብ ዝተፈላለየ ሰነዳት ኣኪቡ ካብ ዘዳለዎ ሰፊሕ ጽሑፍ – ዝተወሰነ ክፋሉ (ንኣጀማምራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝምልከት መዳዩ) ከነቕርቦ ኢና። ኤርትራ – ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ግንቦት 1941 ክሳብ ታሕሳስ 1950፡ ሕልኽላኽ ብዝመልኦ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምሕላፋ፡ ኣብ መጨረሽታ – ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ብጽልዋን ተጽዕኖን ሓያላን ሃገራት ብፈደረሽን ከም እትቑረን እዩ ተገይሩ። ብ2 ታሕሳስ 1950 ዝተጋብአ ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሳነ 390 A/5 ናጽነት ይኹን ሕብረት ዝተመነዩ ኤርትራውያን ዘይተጸበይዎ – ንረብሓ ሓያላን ሃገራትን ኢትዮጵያን ዘገልግል ፈደረሽን ወሲኑ።

download

Latest Articles

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...

Ethiopia is not being ‘dragged into war’

ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና...