November 7, 2022

ዮሃና ብሩራዊ እዮቤልዩ
ሃገራዊ ባጤራና “ናቕፋ”

መሓመድ ኑር ያሕያ
ከም ዝፍለጥ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ባጤራ ኣለዋ። ባጤራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ትካላትን ንዝካየድ ገንዘባውን ንግዳውን ምልውዋጥ፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ባጤራታት እናተሸራረፈ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ሸርፊ ዕዳጋን ሸመተን ዘገልገል መሳርሒ እዩ።ሎሚ፡ ሃገራት ዓለም፡ ኩለን ነናተን ሃገራዊ ባጤራ ኣለወን። ገለ ከም ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ ድማ ብሓባር ዝግልገላሉ ዞባዊ ባጤራ ኣለወን። ሰባት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ርክባት ዓበይቲ ባጤራታት ከም ዶላር፡ ፓውንድ፡ ዩሮ፡ የንን ካልኦትን ክጥቀሙ ይመርጹ። ኤርትራ እውን ከም ሃገር ናታ ባጤራ ክተውጽእ መሰላ ስለዝኾነ፡ ዕድመ ናጽነታ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዘቚጸረሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብቁጽሪ 69/1997 ዝፍለጥ ሕጋዊ ኣዋጅ ብምውጻእ “ናቕፋ” ዝስሙ ሃገራዊ ባጤራ ብምውጽእ፡ ባጤራ ብር ብወግዓዊ ባጤራ ኤርትራ ከም እተተክአ ኣፍሊጡ።እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ፡ ሸቶታት ቁጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ንምዕዋት ናጻ ገንዘባዊ ፖሊሲ ከምዘድሊ፡ ሚዛን መሰርሕ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie