September 1, 2019

ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

ብሳላሓዲን ዓሊ
መጽሓፍ ሃምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962፡ ታሪኽ-ህይወት ናይቲ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ኤርትራውያን ትእምርቲ ሃገራዊ ጅግንነት ዝዀነን ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረን ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እተዘንቱ መጽሓፍ ኰይና፡ ውጽኢት ናይቲ ን35 ዓመታት ዝተካየደ ዝተኻየደ ንማሕበራዊ፡ ወተሃደራዊትን ፓለቲካዊን ተመኲሮ ሓምድ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘጠቓልልት ፈላሚት ውጽኢት ዓሚቚን ዕቱብን መጽናዕቲ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ታሪኽ-ህይወት ሓምድ ኣብ 12 ምዕራፍትን ሓደ ድሕረ-ጽሑፍን ዝተዘርዘረ ኮይኑ፡ ካብ ስድራቤታዊ ድሕረባይታኡ፡ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ማሕበራዊ ከባቢ፡ ኣብ ዕስክርና ጣልያን ንዘሕፍለፎ ውግኣትን ዘጥረዮ ወተሃደራዊ ተምኲሮን፡ ኣብ 1940ታት ኣብ ኤርትራ ግኑን ዝነበረ ሽፍትነት ዝተጸንበረሉ ኲነታትን፡ ብምሕረት ናብ ሰላማዊ ህይወት ክሳብ ዝምለስ ዝፈጸሞም ተግባራትን ብዝርዝር ቀሪቡ`ሎ። ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከም ሓረስታይ ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ብሓጺር ብምዝንታው ድማ፡ ንመስርሕ ኣጀማምራ ብረታዊ ቃልሲ ብመንገዲ ህይወት ሓምድ ተዘንተ።ጸሓፊ ንታሪኽ-ህይወት ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብምጽናዕ፡ ክምልሶም ዘንቀደ ሕቶታት ኣብ መቕድም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊሩዎም ኣሎ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን