March 23, 2019

ጋዜጣዊ መግለጺ

ናይ ኣልጀዚራ ዘየቋርጽ ናይ
ሓሶትን ጸለመን ዘመተታት

ኣብ ዶሓ ዝመደበራ ቴለቪዥን ኣልጀዚራ፡ ናይ ቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብኛን ቻነላት፡ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዘንቀደ ናይ ሓሶት “ወረ” ብዛዕባ ኤርትራ ከጋውሓ ቀንየን። እዘን ቻነላት ከም’ዚ ዝበለ ዝደጋገም ሕሱር ዘመተን ውንጀላን ኣንጻር ኤርትራ ከካይዳ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ ፈነወ፡ መደበር ኣልጀዚራ፡ “ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ዓሰብ ዝተደኰነ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ የመናውያን እሱራት ዳጒና’ላ።” ክትብል ወንጂላ። እንተዀነ ግን፡ ነዚ ክሲ’ዚ ዘረጋግጽ ዘቕረበቶ መርትዖ ዋላ ሓደ የለን። እቲ ነቲ “ወረ” ዘሰነየትሉ ስእልታትን ምስልታትን፡ ኣብ የመን ናይ ዝርከብ መዳጐኒ መደበራትን እሱራትን’ዩ። እዚ ድማ ኰነ ኢሉ ዝተገብረ፡ ቅሉዕን ነውራምን ሸፈጥ’ዩ።

ነዚ ውንጀላኣ ንምርጓድ፡ ኣልጀዚራ፡ ማት ብራይደንን ኣንድርያስ ክሬግ ዝተባህለ ዝተዓስበ “ምሁር” ካብ ኪንግስ ኮለጅን ኣዘራሪባ። ከም ዝዝከር፡ ማት ብራይደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ዘይሓላፍነታዊ እገዳ፡ ብውድብ ሕቡራት

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...